ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍን ንኻርቱም ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእን ቀጻሊ ደብዳብን፡ ብውሑዱ 120 ሲቪላውያን ሰባት ምቕታሎም ኢምባዳ ዝተሰምየ መርበብ ውሃብ-ሓገዝ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ወለንታዊ ጉጅለ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ምዕራብ ኦምዶርማን ቀጻሊ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ ነቲ ሰፋሕቲ መቕተልቲ ኣስዒቡ።
እቲ ወለንታዊ ጉጅለ ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ኣልማማ ደብዳብ ኣየመልከተን። እንተዀነ ብሰንኪ ዘሎ ከቢድ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና፡ ሓያሎ ሰባት’ውን ተሃሪሞም ንስቓይን ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ሞትን ተቓሊዖም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ይውስኽ።
ኦምዶርማን ኣብ ትሕቲ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምክልኻል ዝጸንሐት ከተማ ክትከውን እንከላ፡ ዝበዝሐ ሰሜናዊ ክፋል ካርቱም ግን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ’ዩ ዝቆጻጸሮ።
ናይ ትማሊ ሰኑይ ደብዳብ፡ ኣብቲ 20 ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር፡ ብሓድሽ መልክዕን ናህሪን ኣብ ዝደገሰሉ’ዩ። ኣብ ዝደሓረ ውግኣት፡ ሰራዊት ምክልኻል ዝለዓለ ኢድ እናሓዘ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንርእሰ-ከተማ ክፍለ-ሃገር ኣልጃዚራ ዝዀነት ዋድ-ማደኒ ድሕሪ ምቍጽጻሩ’ዩ እዚ ኣልማማ ደብዳበት ዝቕጽል ዘሎ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2023 ዝጀምረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዛጊት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ቀቲሉ፡ ንኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ድርክኺት ዓጸቦ መሪሑ ኣሎ።