ሱዳን ኣብ ድርኵኺት ጥምየት ከምትርከብ ውዱብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኵናት ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ኣስታት 8-ሚልዮን ድማ መንበሪኦም ራሕሪሖም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለው። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ስእነት ሓገዝ ምስ ዘይርጉፅ ኩነታት ተደማሚሩ ንሰባት ኣብ ድርኹኺት ጥምየት ኣብፂሕዎም’ሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስታት 3.5 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ'ታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሕፅረት መግቢ ከምዝርከቡን ካብኣቶም’ቶም 700-ሽሕ ድማ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ይሕብር።