‘ ሱዳን ንኤርትራዊያን ብምእሳር ናብ ኢድ ጸቃጢ መንግስቲ ሃገሮም ክምለሱ የገድዶም ኣሎ እዚ ዑቕባ ንዝደልዩ ስደተኛታት ንከይረኽቡ ምክልካል’ዩ’ ይብል ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች ተመራማሪ ጉዳይ ስደተኛታትን ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ጌሪ ሲምሶን።
ንሱ ብተወሳኺ ሱዳን ምስ ሕ/ሃ ብምትሕብባር ነዞም ሰባት ክትከላከሎም እንበር ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ኣይግባእን’ዩ ይብል።
ዓለም-ለኸ ሕጊ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰሎም ክኽበር ኣለዎ ቕድሚ ካብ ዘለውዎ ሃገር ምስጓጎም’ዩ ዝብል፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ’ዩ እውን ይብል። ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ሓተቲ ዑቕባ ስቅያት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ንሂወቶም ዘፍርሕ ኩነታት ናብ ዘለዎ ቦታ ክስጎጉ የብሎምን ይብል።
ናይ ሕ/ሃ ላዕለዎይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ( UNHCR) ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ከይስጎጉ ዝፈርሑ ሓተቲ ዑቕባ ክዘራርቦም ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ግን ከምዝተኸልከለ ገሊጹ’ሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ኩሎም ትሕቲ 50 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታት’ታ ሃገር ኣብቲ ገደብ ጊዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ኣለዎም ይብል። ካብ ሃገር ምህዳም ድማ ኽድዓት ተቆጺሩ ከቢድ ስራሕ፡ ስቅያትን ሕማቕ ኩነታት ዘለዎ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከስዕብ ከምዝክእል ሂማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።
ብመሰረት ሪፖርት ሂማን ራይትስ ዎች ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ እቲ መቕጻዕቲ ከቢድን ዘይግቡእን ስቅያት ዘለዎን’ዩ እዚ ድማ ሓደ ስደተኛ ዑቁባ ንኽረክብ ካብ ዘኽእሎ መዓቀኒታት ሓደ’ዩ ይብል።
ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ንዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ኣብ ምሕላዉ ምስራሕ ምጅማሩ ይፍለጥ። ሱዳን ነዚ ከምዚ ዓይነት ጻዕርታት ዝተቐበለት ክትከውን ኸላ ሂማን ራይትስ ዎች ግን መሰል ስደተኛታት ይኽበር’ዶ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ኣይሓብአን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5