ሱዳን ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ብዘበገሶ ህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ኣላ

ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ኣብ ካርቱም ርእሰ ከተማ ሱዳን ሎሚ 16 ጥሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ንናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ እንኮላይ ንሕብስቲ ኣመልኪቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ናይ ቪድዮ ምስልታት ከምዘርኣዮ: ኣብ ሱዳን ንዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት መንግስቲ ንዝወሰዶ ምጉዳል ድጎማ ሕብስቲ ብምቅዋም: ሱዳናውያን ኣብ በበይኑ ቦታታት ናብ ጎደና ብምውጻእ በቲ ውሳነ ዘይዕግበቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ሱዳን ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ብዘበገሶ ህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ኣላ

መንግስቲ ሱዳን ንተሓድሶ ቁጠባታ ሃገር ብዝምኽንያቱ ድጎማ ሕብስቲ ከምዝነከየን ዋጋ ሸርፊ ባጤራ እታ ሃገር ክጎድል ከምዝገበረን’ዩ ዝሕበር።

ባይቶ ሱዳን ነዚ ብተሓድሶ ቁጠባ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝወጸ ባጀት 2018 እታ ሃገር ድሕሪ ምጽዳቑ’ዩ እቲ ተቓውሞታት ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ።

ሓደ ፓውንድ ሱዳን 6 ዶላር ይሽረፍ እኳ እንተነበረ: ኣብዚ ግዜዚ ግን ናብ 18 ከምዘንቆልቆለ ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።