መራሕቲ ቻይናን ሱዳንን ተራኺቦም

መራሕቲ ሱዳንን ቻይናን

ክልቲአን ሃገራት ውዕል ተፈራሪመን

ፕረዚደንት ቻይና፣ንመራሒ ሱዳን ድሙቅ ኣቀባብላ ዝለገስሎም ምኽንያት ብምግላፅ፣ዝምድና ቤይጅንግን ሱዳንን ኣይቅየርን ኢሎም። እዚ ሪኢቶ‘ዚ ዝስማዕ ዘሎ፣ምስ‘ቶም ብኣድማሳዊ ቤት-ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ሱዳናዊ መዘነኦም ድሕሪ ምዝርራቦም‘ዩ።

ፕረዚደንት ሁ ጂንታው ንፕረዚደንት ኦማር ኣልባሽር ናብ ዓብዪ ህዝባዊ ኣዳራሽ እንኳዕ ደሓን መፁ ኢሎም ኣብ ዝተቀበልሉ እዋን ወትሃደራዊ ጉጅለ ሙዚቃ‘ውን ይዕጅቦም ነይሩ።

ሚስተር ሁ፣መገሻ ኣል-ባሽር ንርክብ ሱዳንን ቻይናን ከጠናኽሮ‘ዩ፣ንዝፀንሐ ብዙሕ ዝዘፈሩ ዝምድና ናብ ዝላዓለ ደረጃ ክብ ከብሎ‘ዩ ኢሎም።

ሚስተር ባሽር ብወገኖም፣ንእንግዶት ቻይና ብምንኣድ፣እታ እስያዊት ሃገር ኣብ መፃኢ ዝላዓለ ምዕባለ ክተምዝግብ‘ያ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ንምፍርራም ውዕል ቴክኖሎጂካዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ምብራቅ ሱዳን ንዝህነፅ ድልድልን ተዓዚቦም‘ዮም።

መብዛሕትኡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሱዳን ከምዝተነፀለት ሃገር ገይሩ‘ዩ ዝቆፅራ።ቻይና ግና፣ነቲ እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ናይ ነዳዲ ጠለባ ንምርዋይ ምስ ሱዳን ዘለዋ ርክብ እናሓየለት‘ያ መፂኣ።ሱዳን ንቻይና ሻድሸይቲ ዝዓበየት ኣቀባሊት ነዳዲ ምኻና ይዝከር።

መምህር ዩኒቨርስቲ ሬንሚን ሺ ዪንሆንግ፣ነቲ ኣብ ሱዳን ዝወረደ ሞት ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ኣፍልጦ ትህበሉ‘ያ።ግን ንብይን ኣድማሳዊ ቤት ድርዲ ዓለም ኣይትምእዘዝን ይብል።

ሚስተር ሺ ኣብ ዘረብኡ፣ንመራሒ ሱዳን ክተጋይሽ ከላ ንዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተመርኲዛ‘ዩ።ንዓለም-ለኸ ንቡር መሰረት ብምግባር‘ዩ።ቻይና፣ዩ-ስን ሩስያን ኣባላት ኣድማሳዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከምዘይኮና ክፍለጥ‘ለዎ ይብል ሚስተር ሺ።

ርክብ ቻይናን ምዕራባውያንን ብመገሻ ሚስተር ኣልባሽር ክፅሎ ይኽእል‘ዩ ግን ኣድማዒ ኣይከውንን ዝብል ገምጋም‘ውን ኣለዎ ሚስተር ሺ።