ዳርፎር -- ኣልማማ ደብዳብ ሰራዊት ሒሜቲ 16 ቀቲሉ፡ 18 ኣቝሲሉ

  • ዜና ቪኦኤ

ካብ መንበሪኦም ዝሃድሙ ነበርቲ ዳርፉር - ፋይል 4 ነሓሰ 2023

ወለንተኛታት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከም ዝሓበሩዎ፡ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ድጋፍ፡ ኣብ ኣልፋሸር ሰሜን ዳርፎር ብዘካየድዎ ኣልማማ ደብዳብ፡ ብውሑዱ 16 ሲቪላውያን ቀቲሎም፡ 18 ድማ ኣቝሲሎም።

እቲ ዞባ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር ንደሓር ብተደጋጋሚ ግዜ መጥቃዕቲ ዝወረዶን ነበርቱ ድማ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቕየሉ ዘለዉ ከባቢ’ዩ።

ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ኣልፋሸር ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚራ ኣብ ምሉእ ከበባ’ያ ዘላ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዝተሓደሰ ጎንጺ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ንሓያሎ ቦታታት ደጊሙ ይቆጻጸርን ላዕለዋይ ኢድን ይሓዝ ኣሎ። እንተዀነ፡ ዝበዝሕ ዞባ ዳርፎር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ’ዩ ዘሎ።