ዋሽንግተን —
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ሎሚ ሓሙስ ብኣመሪካ እገዳታት ከም ዝንበረሎም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምንጭታት ንሮይተርስ ገሊፆም።
ብሰንኪ ክልተ ዓመታት ዘቑጸረ ኲናት ሱዳን ዝተፈጸመ ጥሕሰትን ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እገዳ ዝተነብረሎም ምዃኑ ዝፍለጥ'ዩ። እዚ ዳሕረዋይ እገዳ ድማ ክልቲኦም ተሳተፍቲ እቲ ግጭት ዕላማ እገዳታት ምዃኖም እውን ዘርእይ እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ብዛዕባ'ዚ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን። ወሃብቲ ቃል ሚንስትሪታት ጉዳያት ወፃእን ገንዘብን እውን ርእይቶ ክህቡ ብሮይተርስ ዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ኣይሃቡን።
ሓደ ካብቶም ምንጭታት ዝኾነ ዲፕሎማት ካብ ምኽኒያታት ናይቶም እገዳታት ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ንስቪላትን ንትሕተ-ቅርጺን ዒላማ ብምግባሮምን ንተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽልካሎም ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘተ ሰላም ኣይንሳተፍን ብምባሎም እዩ ይብል።