ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ዓለም ንፍልስጤማውያን ዝድግፉ ሰልፍታት  ቀጺሉ ውዒሉ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ንፍልስጤማዊያን ዝድግፍ ሰልፊ

ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ዓለም ንፍልስጤማውያን ዝድግፉ ሰልፍታት ቀጺሉ ውዒሉ።

ቅድሚ መዓልታት`ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ኣልዒሎም ብፖሊስ ተበቲኖም ዝነበሩ፡ ሕጂ ድማ በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ተተባቢዖም ዳግም ናብቲ ተቓውሞ ተመሊሶም ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ። ዕላምኦም ምስ ቓዛ ዘለና ሓድነት ንምርኣይ ዝብል`ዩ። በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ከም ዝተተባብዑ ዝገልጹ ገለ ተመሃሮ ፓሪስ፡ "ልዕሊ ኩሉ ግን ሓድነትና ምስ ህዝቢ ፍልስጢኤም`ዩ" ኢሎም።

ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ`ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዩንቨርሲታት ንጉዳይ ፍልስጤማያን ዘጉልሕ ሰልፍታት ዝቐጸለ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ንልዕሊ 10 መዓልታት ኣብ ካምፓስ ተኣኪቦም ኣንጻር ኲናት እስራኤል-ሓማስ ተቓውሞታቶም ምስማዕ ቀጺሎም ኣለዉ። እቲ ተቓውሞታት ካብ ካሊፎርንያ ክሳብ ከነኒከት ዝሰፍሐ`ዩ። ኣብ ዝፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ብፖሊስ ተኣሲሮም። ኣብ ገለ ዩኒቨርሲቲታትእውን ጎንጺ ምስ ፖሊስ ተራእዩ ዩ።