ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙሪያ እታ ኣህጉር ንዝበጽሕ ብኽነት መግቢ ንምንካይ ንመንግስታት ኣፍሪካ ኣብምሕጋዝ ይርከብ።ትካል መግቢ ዓለም/ፋኦ/ ሓዊሱ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍሉ ዘለው ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሃራሬ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ፋኦ ዝሰርሓ ስተፈኒ ጋላቶቫ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝምረት እኽሊ ስኣን ጽቡቕ መቐመጢ ንምብስባስን ንባልዕን ይቃላዕ ይብላ።ተሳተፍቲ ነቲ ብኽነት ንምንካይ ቀዳምነት ክውሃቦም ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ትኹረት ከምዝሃቡ’ውን ይገልጻ።
‘ትኹረትና ንኩሎም ፍሪያት ኣይኮነን።መንግስቲ ቀዳምነት ኣብ ዝሃበሎም ጉዳያት ኢና ነተኩር ዘለና።ኣብ ብዙሓት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ቀዳምነት ዝህብኦ ንመሸላ ባሕሪ እዩ።ኣብ ምህርቲ ፍረታትን ተኽልታትን እውን መጽናዕታት ነካይድ ኣለና።ኣብ ጸባ ኣዚዩ ውሑድ መጽናዕታት እዩ ተኻየዱ።ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ኣብ ብኽነት ምህርቲ ዓሳ ፍሉይ ጠመተ ተገይሩ’ሎ።ኤል-ኒኞ ብዝበለጸ ንፍሪያትን ኣፍራይነትን መግቢ የጥቅዕ።መግቢ እንተድኣ ዘይምረት ኮይኑ ድማ እትከላኸሎ ኣይህልውን።’
ኤል-ኒኞ ዘበገሰ ድርቂ ንመብዛሕቲኡ ቀርኒ ኣፍሪካን ደቡብ ኣፍሪካን ኣጥቒዑ እዩ።ዙምባቤ ብሰንኪ ድርቂ ኣስታት 4 ሚሊዮን ህዝባ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣፍሊጣ’ላ።ዩኒሰፍ ድማ ኣብ ዙምባቤ ዘጋጠመ ሕፅረት ኣመጋግባ ንምክልኻል እንተወሓደ ናይ 21 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5