ህቦቡላዊ ዝናብ ኬራን ንኣውሮጳ የጓሳቕል

ፈረንሳ

“ኬራን” ብዝብል ስም ዝተጸውዐ ህቦቡላዊ ዝናብ ንሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ብኸቢድ ከጓሳቕል ድሕሪ ምጽናሑ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ኣሎ። በዚ ዝናብ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ ሎሚ ዓርቢ 3 ሕዳር 12 በጺሑ ኣሎ።

ህቦቡላዊ ዝናብ ኬራን ንስፔን፡ ፈረንሳ፡ በልጂም፡ ኔዘርላንድስን ጀርመንን ብኸቢድ ኣዘናቢሉ፡ ናብ ዓርቢ ናብ ዘውግሐ ለይቲ ድማ ናብ ኢጣልያ ሰጊሩ ኣሎ። ከም ሓበሬታ ምክልኻል ሲቪላት ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ኢጣልያ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ንኣስታት 200 ሚሊ-ሊተር ወይ ድማ 8 ኢንች ዝበጽሕ ዝናብ ወቒዑ። ኣብተን ዝቐደማ ሃገራት፡ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላዊ ዝናብ፡ ብድምር ሸውዓተ ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

በቲ ሓያል ዝናብ ጽርግያታት የዕለቕሊቑ፡ ፈለጋት መሊኡ ፈሲሱ፡ መካይን ድማ ተወሲደን። ኣብ ኢጣልያ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ዝናብ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ዝበርትዐ ምዃኑ’ዩ።

ኣማኢት ዜጋታት ናብ ገዛውቶም ንምምላስ ክጽገሙ እንከለዉ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣስታት 40-ሽሕ ዝበጽሑ ሰባት ብዘይ ቀረባት መብራህቲ ኣለዉ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንኮላይ መጓዓዝያ ደው ክብል ኣገዲዱ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ፍሎረንስ እቲ ብርቱዕ ዝናብ ነቲ ኣብ 1966 ዘጋጠመ ዝናብ ዘዘኻኽር’ዩ ኢሉ። ኣብ እዋኑ 101 ኢጣልያውያን ብሰንኪ እቲ ዘይንቡር ዝናብ ሞይቶም’ዮም።

ተመራመርቲ እዚ ዘይልሙድ መጠን ዝናብ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ምዃኑ ይገልጹ። ተመሳሳሊ ተርእዮ ክቕጽል ከም ዝኽእል ከኣ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ህቦቡላዊ ዝናብ ኬራን ኣብ ፈረንሳን ኦውስትሪያን’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ኣውሪዱ’ዩ። ኣብ ፈረንሳ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣባይቲ ብዘይ ሓይሊ መብራህቲ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።