ኢስቲዋና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲን ዕድላት ስራሓትን ዝሕግዝ ትካል

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢስቲዋና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲን ዕድላት ስራሓትን ዝሕግዝ ትካል

ኣብ ቦስትዋና ብሰንኪ ጥንስን ድኽነትን ካልኦት ዕንቅፋትን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ዝዛዝማ ኣዋልድ 46% ጥራሕ ምዃነን እዩ ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ይሕብር። ንኣብ ገጠር ዝነብራ መንእሰይ ኣዋልድ ናይ ምኽሪ ሓገዝ ዝህብ ስቴም ሲስተርስ( ኣብ ዓውድታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ዝነጥፍ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋት) ዝተባህለ ሓድሽ ፕሮግራም ብምድላው ነቶም ዕንቅፋታት ንምምካት ከም ኮዲንግ፣ ሮቦቲክስን ምህንድስናን ኣብ ዝኣምሰሉ ዓውድታት ትምህርቲ ሓገዛት ንክረኽባ ብምግባር ቅድሚ ሎም ረኺበነኦ ዘይፈልጣ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝረኽባሉ ዕድላት ዘናድየለን እዩ።