መጻኢ ዕድል ኣከራኸርቲ ቦታታት ብረፈረንደም ክውሰን ምዃኑ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሕብር

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ምፍራም ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ 6 ሕዳር 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መጻኢ ዕድል እቶም ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ኣከራኸርቲ ዝዀኑ ቦታታት ብህዝበ-ውሳነ (ረፈንዶም) ክውሰኑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ተዓሚሞም ዝበሎም ሓያሎ ወገናት ናይቲ ስምምዕ’ውን ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብቲ ብስም ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሎሚ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ ፈደራል መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ክልላት ንቕድሚት ዘሰጕም መረዳድኢ ነጥብታት ምብጻሑ’ውን ጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦምን ሕርሻኦምን ክምለሱ፡ ኣብቲ ኣከራኻሪ ዝብሃል ቦታታት ብህዝቢ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ክሽየሙን ንጸጥታን ውሕስነትን እቲ ኣከራኸራ ዝብሃል ቦታታት ድማ ኣብ ትሕቲ ፈደራል ፖሊስ ክምእከል ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ነቶም ኣከራኸርቲ ዝብሃሉ ቦታታት ንምውሳን ህዝባዊ ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ምዃኑ ይሕብር። መቓን ግዜ ናይቲ ረፈረደም ግን እቲ መግለጺ ኣየቐመጠን።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘሰፈሮ፡ “ኣብ መንጎ ክልላት ናይ ዶብን ዋንነት መሬትን ክርክር ምስ ዘጋጥም’ሞ መንግስቲ ምፍታሑ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ እቲ ጉዳይ ብድሌት ናይቶም ነበርቲ ህዝቢ ክውሰን፡” ዕድል ዝህብ’ዩ።

እቲ ቅድም ብምዕራብ ትግራይ ዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣከራኸርቲ ቦታታት፡ ኣብቲ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምህላዉ ይፈልጥ። ነዚ ሓድሽ መግለጺ ፈደራል መንግስቲ ኣመልኪቱ በቶም ቀንዲ ሰብ-እጀታ ዝዀኑ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ግብረ-መልሲ ኣብ ዝወሃበሉ ከነስዕብ ምዃንና ንሕብር።