Your browser doesn’t support HTML5
ሙሉእ ሪፖርት መደረ ፕረዚደንት ኦባማ
እቶም ፕረዚደንት ንተቃወምቶምን ንህዝቢን ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣሜሪካ ካብ’ቲ ዝፀንሐትሉ ቁጠባዊ ቅልውላው ወፂኣ’ያ፡ጊዜ ተቀይሩ’ዩ ኢሎም።
መፃኢ ጊዜ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፡ማእከላይ እቶት ዘለዎም ኣሜሪካዊያን ማዕረ ዕድል ዝረኽቡሉ ጊዜ ክኾን ይግባእ፡-
ሚስተር ኦባማ ካብ’ቶም ዘጉልሕዎም ነጥቢታት ገሊኦም ‘ዲታታት ኣሜሪካዊያን ልዕሊ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ዜጋታት ሕልፍ ዝበለ ግብሪ ይኽፈሉ፡ኮሌጅ ማሕበረ-ሰባት (ኮሚኒቲ ኮሌጅ) ናይ ክልተ ዓመታት ናፃ ዕድል ትምህርቲ ይለግሱ’ ዝብሉ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፡ንመደረ ፕረዚደንት ዝነፀጉ ሪፐብሊካዊያን ኣብ ዘቃልሕዎ መልሲ ንመደረ ፕረዚደንት፡ውግእ ኣንፃር ፈጠርቲ ራዕዲ ክቅፅል’ዩ፡ኣስራርሓ ግብሪ ክመሓየሽ ኣለዎ፡ሃገራዊ በጀት’ውን ክንኪ’ዩ ኢሎም።