መራሒ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ኣብ’ቲ ትማሊ ዘቅረብዎ ‘መደረ ዓመታዊ ኩነተ-ሃገር’ ተዓዊተሉ ዝበልዎን ንዝመፅእ ዓመታት ዘለዎም ራእይ ንኣሜሪካን ኣንፀባሪቆም።
ዋሽንግተን —
ሚስተር ኦባማ እግረ-መንገዶም ንነቀፍቶም’ውን ኣይመሓርዎምን። ኣብ’ቲ ቀፂሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ውድድር ይሳተፉን ንክትክእዎም ይወዳደሩን ንዘለው ሪፐብሊካዊያን ሕፁያት ደጋጊሞም ወቂሶም’ዮም።
‘ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ እቲ ኣዝዩ ዝሓየለን ነባሪ ቁጠባ ኣብ ዓለምና ዝወነነት ሃገር’ያ’ ኢሎም።
‘ተገዳስነተይን ተገዳስነትን ኣሜሪካ ዝጠራጠሩ ወገናት ኣለው እንተኾይኖም፣ ፍትሒ ይዋሃብ የለን በሃልቲ ኣለው እንተኾይኖም፣ እንተኪኢልኩም ንኦሳማ ቢን ላደን ሕተትዎ ክብሎም ይደሊ’ እውን ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።
ንመደረ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ግብረ መልሲ ዝሃባ ኣማሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ሳውስ ካሮላይና ኒኪ ሃልይ ንፕረዚደንት ኦባማ ‘ማዕረ’ቲ ሓያል ዘረብኦም ኣብ ግብሪ ዘይተራእዩ’ ኢለን ወቂሰን።
Your browser doesn’t support HTML5
ሙሉእ ሪፖርት መደረ ፕረዚደንት በራክ ኦባማን ካልኦትን