ዋሽንግተን —
ኣብ ናይጀርያ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ክልተ ናይ በዓል ልደት ናይ ልግሲ መደብ ብዘጋጠመ ምጽቕቓጥ 67 ሰባት ምማቶም ፖሊስ ሓቢሩ። እቲ ምጽቅቓጥ ዘጋጠመ ኣብታ ሃገር ብዝርኣ ዘሎ ናህሪ ዋጋ መግቢ ሓገዝ መግቢ ንምርካብ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሰባት ኮይኑ ካብ ዝሞቱ ሰባት 35 ህጻናት ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልተ ቦታ ዘጋጠመ ሞት ዘስዓበ ምጽቕቓጥ ጠንቂ የጻሪ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ትስራዕ ናይጀርያ ዝርኣ ዘሎ ናህሪ ዋጋ መግቢን ዝቕባበን ጠንቂ ፖሊሲ መንግስቲ ከምዝኾነ ገለ ወገናት ይገልጹ።
ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ኣብ ናይጀርያ ሓድሽ እንተዘይኮነ ንህዝባዊ ቦታታት ዝወሃብ ናይ ውሕስነት ስጉምታትን ህዝቢ ብዘለዎ ጸገም ዝወስዶ ስጉምታት ነቲ ኩነታት ከም ዘጋደዶ ተንተንቲ ይገልጹ።