ቢንያም ግርማይ ኣብ 4ይ መድረኽ ቱር ዳውን ኣንደር ካልኣይ ወጺኡ

ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ጋንታ ኢንተርማሽ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዙር፡ ናይ ኣውስትራሊያ ቱር ዳውን ኣንደር፡ ካልኣይ ብምውጻእ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ሎሚ መበል 28 ዓመቱ ዝጸንበለ ንሳልሳይ ግዜኡ መድረኽ ዝዕወት ዘሎን ሳም ዌልስፎርድ’ዩ ሎሚ’ውን ቀዳማይ ወጺኡ ዘሎ። ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ ላርስ ቦቨን ኣብ ራብዓይ መድረኽ ሳልሳይ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ኣብ መራሒት ጉጅለ ዝነበረ ኤልያ ቪቫኑ ዕዉት መድረኽ ኰይኑ ክወጽእ ዓቢ ትጽቢት ተጌርሉ ነይሩ። እንተዀነ ንመዛዘሚ ሕንጻጽ ኣስታት 200 ሜትሮ ምስ ተረፎ ንቅጽበታዊ ቅድድም መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ ኣውስትራሊያዊ ሳም ዌልስፍሮርድ ኣይተኸኣለን፡ ቪቫኒ’ውን ቀልጢፉ ርእሱ ሒዙ። ቢንያም ግርማይ ድማ ኣብ መንጎ እታ መራሒት ጉጅለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በቲ መለለዪኡ ዝዀነ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር መጥቃዕቲ ፈንዩ ካልኣይ ወጺኡ። ነቲ መሪሑ ዝኣተወ ሳም ዌልስፎርድ’ውን፡ ቢንያም እንቋዕ ሓጎሰካ ክብል እንከሎ ድሕሪ መዛዘሚ ሕንጻጽ ይርአ ነይሩ።

ምስ ሊድል ትረክ ዝወዳደር ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብዚ ናይ ሎሚ ራብዓይ መድረኽ መበል 45 ተርታ ወጺኡ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ቢንያም ድሕሪ ውድድር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብቲ ዝገበሮ ንላዕሊ ክግበር ከም ዘይክእልን ኵሉንትናኡ ከም ዝሃበን ገሊጹ። “ነዚ ዝፍልም ዘሎ ዓመተ-ስፖርት ጽቡቕ ዓወት’ዩ፡” ዝበለ ቢንያም፡ “ሳም ንምእማኑ ዘጸግም’ዩ ዘሎ። ኣብ ጽቡቕ ቁመና ኣሎ” ክብል ንተዓዋቲ ዘለዎ ኣድናቖት’ውን ኣካፊሉ።

ናይ መድረኽ ሰማያዊት ማልያ ብሳም ዌልስፎርድ ተታሒዛ ኣላ። ካልኣይ ድማ ቢንያም ግርማይ ይስዕብ ኣሎ። ኣይዛክ ደል ተሮ ንሓፈሻዊ ግዜን ብጫ ማልያን ክመርሖ እንከሎ፡ ሕጂ’ውን ቢንያም ብሓንቲ ካልኢት ጥራይ ካብኡ ድሒሩ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕብ ኣሎ።