እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዘካየደቶ ደብዳብ ክልተ ኣዘዝቲ ሕዝቦላህ ምቕታላ ትሕብር

  • ዜና ቪኦኤ

ሊባኖስ

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሎሚ ሓሙስ 10 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ሊባኖስ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምፍጻም ንክልተ ኣዘዝቲ ሕዝቡላህ ቀቲለ ይብል ኣሎ።

እስራኤል እቶም ኣዘዘቲ ኣሕመድ ሙስጠፋ ኣል-ሓጅን መሓመድ ዓሊ ሓምዳንን ዝብሃሉ ኮይኖም ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ምድርባይ ሮኬታት ዘተሓባብሩ ዝነበሩ`ዮም ትብል።

ብተወሳኺ ካብ ሊባኖስ 40 ሮኬታት ከም ዝተወንጨፈን ንገለ ከም ዘበርዓነን ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ጠቒሱ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁ ደዊሉ ምሉእ ድጋፉ ዳግም ከም ዝገለጸሉ ዋይት ሃዋስ ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንታዊት ሕጽይቲ ካመላ ሃሪስ`ውን ተጸንቢራ ኔራ። ብዛዕባ ምፍታሕ ጅሆ ሓማስን ሰብኣዊ ጉድኣትን`ውን ከም ዝዘተዩ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ 1 ጥቅምቲ 2024 ኢራን ናብ እስራኤል ዝወንጨፈቶ 200 ዝኸውን ሚሳይላት ነተንያሁ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክፈዲ ኣብ ግምት ከእትዎ ጸኒሑ`ሎ፡ ። እስራኤል ንኑክሌራዊ ትካላት ኢራን ክትሃርም ግን ባይደን ከም ዘይድግፍ ክገልጽ ጸኒሑ`ሎ።