ምሕዝነታዊ ግጥም ኒውካስልን ኣንስተንቪላን

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰንበት ኣብ ከተማ ፊለደልፍያ ጋንታት ፕሪመር ሊግ ዝኾና `ኒው ካስልን `ኣስተን ቪላን' ናይ ምሕዝነት ጸወታ ኣካይደን ኔረን። ክልቴኤን ጋንታት 3- 3 ማዕረ ብዝኾነ ነጥቢ ዝተፈላለያ ክኾና ከለዋ፡ ምስ ጋንታ ኒው ካስትል ዝስለፍ ኤርትራዊ -ስዊድናዊ ኣለክዛንደር ኢሳቅ ካብ መንጎ`ቶም ሸቶታት ዘእተዉ ሓደ ምንባሩ ነቶም ካብዚ ከባቢ ተኣኻኺቦም ጸወታ ክዕዘቡ ናብ ፊለደልፍያ ዝኸዱ ኤርትራውያን ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረ ኔሩ።