ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመርካ ንመምርሒታት ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ንምትግባር ድልዋት ምዃኖም ሓቢሩ

ኣፈጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን

ኣፈጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን፡ ሪፓብሊካን ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዘውጽኦም መምርሕታት ንምትግባር ቅሩባት ኣለና ኢሉ።

እቲ ኣፈጉባኤ ኣተሓሒዙ፡ ሪፓብሊካውያን ነቲ ኣብ እዋን ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዝገበርዎ ጌጋታት ኣብዚ ካልኣይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ኣይክደግምዎን እዮም ኢሉ ።

ኣብ ኣፈደገ ካፒቶል ሂል ምስ መሪሕነት ሪፓብሊካን ጠጠው ኢሉ ዝተዛረበ ማይክ ጆንሰን፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘስጉሞ፡ ንኣመሪካ ቀዳምነት ዝህብ ኣጀንዳ፡ ከምኡ`ውን ምሕላው ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ዝብሉ ቀዳምነታት ኣብ ምትግባር ሪፓብሊካውያን ዘባኽንዎ ግዜ ኣይክህሉን`ዩ ኢሉ።

ንባይቶ ወከልቲ ዝቆጻጸሮ ሰልፊ ገና ኣብ ዘይነጸረሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብዚ እዋን ብሪፓብሊካን ዝዕብለል ባይቶ ፡ክሳብ ዝመጽእ ጥሪ ብሓዲሽ ዝቕየር፡ ንዝሓዞ ኣኼባታት ከጠቓልል ይጓየ ኣሎ።