ስጳኛን ኖርወይን ሎሚ ሰሉስ ንፍልስጤም ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂበን። ኣየርላንድ’ውን ኣሰር’ዘን ክልተ ሃገራት ስዒባ፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ክትቅበል ትጽቢት ይግበር። እስራኤል ብወገና ነቲ ስጕምቲ፡ “ንጕጅለ ሓማስ ደበስ ዝህብ ተበግሶ፡” ክትብል ኰኒናቶ።
ነዚ ፍሉይ ተበግሶ ዝወሰዳ ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ውሳነአን ዓቢ ትርጕም ክህሉዎ ከም ዝኽእል ይኣምና። ኖርወይ ንሃገረ ፍልስጤም ምሉእ ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤስፐን ባርዝ ኣይድ፡ “ኣብ ዝምድና ኖርወይን ፍልስጤምን ፍልይቲ መዓልቲ፡” ክብል ነቲ ስጉምቲ ገሊጹዎ። እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣስዒቡ፡ ሃገሩ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ካብተን ቀንዲ ተጣበቕቲ ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ምንባራ ጠቒሱ።
ኣሰር ኖርወይ ዝሰዓበት ስጳኛ ድማ፡ ካቢነ እታ ሃገር ነቲ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ስጳኛ፡ ፒልስ ኣለግሪያ፡ “ታሪኻዊ መዓልቲ” ክብል ጸዊዑዎ።
ቅድም ክብል ቀዳማይ ሚንስተር ስጳኛ፡ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ “ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ከባቢ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ ነይሩ። ንሱ ኣስዒቡ “እቲ ስጕምቲ ንእስራኤል’ውን ዝቃወም ዘይኰነስ ክልተ ሃገራት ብማዕረን ተኸባቢረንን ክነብራ ከም ዝኽእላ’ዩ፡” ኢሉ ኣብ ዘረባኡ ጠቒሱ።
ስጳኛ ብማዕረኡ ንጕጅለ ሓማስ ከም እትቃወም’ውን ገሊጻ’ያ። ጉጅለ ሓማስ ንኽልተ ሃገራት ፍልስጤምን እስራኤልን’ውን ኣይቀበልን’ዩ።
ኣየርላንድ፡ ንኖርወይን ስጳኛን ተኸቲላ፡ ንፍልስጤም ናይ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ዘምልከተት ሳልሰይቲ ሃገር'ያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሳይሞን ሃሪስ፡ ቅድሚ ርክብ ምስ ካቢነኡ፡ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ነቲ ዞባ ከረጋግኦ ከም ዝኽእል ምስ ማዕከናት ዜና ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃሪስ ከም ዝብሎ፡ “ፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ እትረክብ፡ ናይ ሃገር ዘለዋ ዓለማዊ ተሰማዕነት ክዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ማዕረኡ ድማ ኣብ ምስፋን ሰላም እቲ ዞባ ሓያል ተራ ክትጻወት ትኽእል፡” ኢሉ መጒቱ።
እዘን ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ ንፍልስጤም ወግዓዊ ናይ ሃገር ኣፍልጦ ክህባ ምዃነን ዝሓለፈ ሰሙን’የን ወግዓዊ ገይረን። ኣብ እዋን ካብ እስራኤል ኣዝዩ ተሪር ግብረ-መልሲ’ዩ ስዒቡ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሕሉፍ ጸጋማዊ መርገጺ ከም ዘለዋ እትግለጽ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ዝዀነት ዮላንዳ ዲያዝ፡ “ፍልስጤም ሃገር ካብ ምዃን ደው ከነብል ኣይንኽእልን ኢና። ምልእቲ ፍልግጤም፡ ምሉእ ኣፍላጋታን ባሕራን ድማ ናጻ ክትከውን’ያ፡” ክትብል ገሊጻ።
ዮላንዳ ዲያዝ፡ “ካብ ፈለጋ ክሳብ ባሕራ፡” ኢላ ዝገለጸቶ፡ ነቲ ቅድሚ ምስረታ ሃገረ እስራኤል ኣብ 1948 ዝነበረ ዶባት ፍልስጤም ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝነበረ ናይ ሽዑ ዶባት ፍልስጤም ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ወኪል እስራኤል ከኣ ነቲ መግለጺ፡ “ንእስራኤል ፈጺሙ ካብ ካርታ ዝሓክኽ፡” ክብል መሊሱሉ።
ኣፍልጦ ስጳኛ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ እስራኤል ኣንጻር ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበርትዐ ግብረ-መልሲ ትህብ ኣላ። ሎሚ ሰሉስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እስራኤል ካዝ፡ “ሳንቸስ ንምኽትልካ ዘላ ዮላንዳ ዲያዝ ካብ መዝነታ እንተ ዘይኣሊኻያን ንፍልስጤም ኣፍልጦ እንተ ሂብካን፡ ኣንጻር ኣይሁዳውያን ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ትሳተፍ ከም ዘለኻ ዘክር፡” ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ጽሒፉ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኤክስ፡ “ሳንቸዝ፡ ንስለ ተግባርካ ሓማስ ምስጋናኡ ይገልጽ፡” ዝብል ጽሑፍ ምስ ምስሊ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣስፊሩ።
ስጳኛ ንተግባር እቲ እስራኤላዊ በዓል መዚ “ብዕሉግ ወስታ፡” ክትብል ኰኒናቶ።
ስጕምቲ ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኻፋፈለ ግብረ-መልሲ ከስዕብ’ዩ።
ካብቲ ደምበ ሽወደን’ያ ኣብ 2014 ንፍልስጤም ወግዓዊ ናይ ሃገር ኣፍልጦ ሂባታ ጸኒሓ።
እዚ ዝደሓረ ስጕምቲ’ውን ቍጽሪ ንፍልስጤም ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃባኣ ሃገራት የዕብዮ ኣሎ። ካብ 193 ሃገራር ዓለም፡ ሕጂ እተን ንሃገረ ፍልስጤም ዝኣምና 145 ሃገራ ይዀና ኣለዋ፡ ይብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።