ዋሽንግተን —
ስጳኛ ኣብ ታሪኻ ኣጋጢምዋ ብዘይፈልጥ ሓደጋ ውሕጅ 95 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ዝተረፉ ብህይወት ዝተረፉ ንምድሓን ትጓየ ኣላ።
ብተወሳኺ እታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ብምጽዋዕ ፓንዴራኣ ትሕት ኢሉ ክንብልበል ኣዚዛ`ላ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ድማ ብልዕሊ 1,200 ወተሃደራዊ ኣባላት ተሰንዩዎም ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕንን ፍተሻን ተዋፊሮም ኣለው።
ሰብ-መዚ'ታ ሃገር ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ሰባት ከምዘለውን ገሊኡ ከባብታት ክብጻሕ ዘይክኣል ብምዃኑን እቲ ቁጽሪ ሞት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይሕብሩ ኣለው።
እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዞባ ቫለንሲያ ሕጂ`ውን ተወሳኺ ከቢድ ዝናብ ክሃርሞ ከምዝኽእል ተነበይቲ ኩነታት ኣየር የጠንቅቑ ኣለዉ።