ኣስታት 8,500 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ስፔን ምእታዎም ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ስደተኛታት ናብ ስፔን ኣብ ዝኣተወሉ ዝተወስደ ፋይል

ሰበ ስልጣን ስፔን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝጽዕርሉ እዋን፣ ልዕሊ 8,500 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ደሴት ካንርይ ከምዝኣተው ተገሊጹ።

ሚንስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ስፔን ፈርናንዶ ግራንዴ ማርላስካ ትማሊ ሰኑይ ኣብ’ታ ደሴት መገሻ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን፣ ፖሊስ ስፔን፣ንማያት እተን መተሓላለፊ ስደተኛታት ኮይነን ዝባሃላ ሴነጋልን ሞሪሸስን ክሕልው’ዮም ኢሎም።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 12,500 ስደተኛታት ናብ ስፔን ንከኣትው ከምዝተገበረ ዝጠቀሱ እቶም በዓል ስልጣን ብዝሒ ናብ ደሴት ካነሪ ዝኣትው ስደተኛታት ግና ብሰማንያ ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ ኢሎም።