ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ኣብ ዝውሕዝሉ ን900,000 ስደተኛታት ሕጋዊ ሰነድ ኣፍቂዳ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ኣብ ዝውሕዝሉ ን900,000 ስደተኛታት ሕጋዊ ሰነድ ኣፍቂዳ

ኣብዚ ዓመት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ከምዝኣተዉ እዋናዊ አሃዛት መንግስቲ'ታ ሃገር ይገልጽ። መንግስቲ ቁጠባ ንምምሕያሽ ካብ ዘለዎ ተበግሶ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ከምዘድልዩዎ ብምግላፅ ስጳኛ ነቶም ቀዲሞም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ቪዛ ክትህቦም መደብ ከምዘለዋ ሓቢራ'ላ።