ኣዲስ ኣበባ —
ደሞዝ ኣይኽፈለናን ዘሎ ዝበሉ መማህራን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ናብረኦም ንምምራሕ፣ ንጫማ ምፅራግ ሓዊሱ ኣብ ካልእ ስራሕ ይዋፈሩ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ወርሓዊ ደሞዝና ይደናጎይ፣ ብዘይ ኣፍልጦና ይቑረፅ፣ ሓሓሊፉ ድማ ፈፂሙ ኣይወሃበናን ዝበሉ እቶም መማህራን፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ ቅልውላው ኣቲና ኣለና ይብሉ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ፀገም ደሞዝ፣ ኣብ ሰለስተ ሓደስቲ ክልላት ከምዝረአ ዝገለፀ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ብወገኑ፣ መበገሲኡ ድማ እተን ክልላት ዘጋጠመን ዋሕዲ በጀት ከምዝኾነ ንድምጺ ኣመሪካ ኣረዲኡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ መማህራን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ጎናዊ ስራሕ ይዋፈሩ ኣለው