ፕሬዝዳንት ኪር ዝርርብ ሰላም ንከይዕወት ዕንቅፋት ኮይኖም ክብሉ ተነሓናሕቶም ኸሲሶም

South Sudan Peace Talks

ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ ሰላም የካይዱ ኣብ ዘለውሉ ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወጊና ኣብ ልዕሌና ደብዳብ ነፈርቲ ብምፍፃማ ንፁሃን ስቪላ ተቐቲሎም ክብሉ ወሃቢ ቃል ዓማፂያን ደቡብ ሱዳን ኸሲሶም።ብግትርነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዛጊድ ኣብ ስምምዕ ኣይተበፅሐን እውን ኢሎም።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፍሉይ ልኡኽ ግን እቲ ዝርርብ ሰላም ክዕወት ተስፋ ኣለዎም።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ስሉጥ ፍታሕ ንኸይርከብ ንፖለቲካዊ እሱራት ኣይፈትሕን ብምባል ዕንቅፋት ይፈጥሩ ኣለው ክብሉ ወሃቢ ቃል ናይ ማቻር ተደራደርቲ ሑሴን ማርኒዮት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

ብኣምባሳደር ስዩም መስፍን ዝመራሕ ኣደራዳሪ ጉጅለ ኢጋድ ነቲ ድርድር ንግዚኡ ጠጠው ኣቢሉ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምጉዓዝ ምስ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ተኣሲሮም ምስ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ተራኺቡ ምዝርራቡ ዝወፀ መግለፂ ኢጋድ ይሕብር።

ብመሰረት ኣቐባሊ ቃል ግጅለ ተደራደርቲ ማቻር ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ቀንዲ መደራደሪ ነጥቢ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ ኢሎም።ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር እንተድኣ ዘየፍቲሖምዎም ኣብቲ ድርድር ክቕፅሉ እንተኾይኖም ተሓቲቶም።’’ኣብ መርገፂኦም እንተድኣ ፀኒዖም እንታይ ክኸውን ብመራኸቢ ብዙሃን ክዛረብ ኣይደልን።ኣታዓረቕቲ ኣለው፤ምስኦም ክንዘራረበሉ ኢና።ኩነታት እሱራት ግን ከም ቅድመ ኩነት ዝርአ ነጥቢ እዩ’’ኢሎም።

ጉጀል ተዳደሪ ማቻር ሎማዕንቲ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ ሓይሊ ኣየር ኡጋንዳ ብትእዛዝ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ስለስተ ትሕዝቶታት ብዝፈፀምዎ ደብዳብ ነፈርቲ ንፁሃን ሰባት ተቐቲሎም ይብል።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ቡዝ ግን ኣብቶም ኣደራደርቲ ምሉእ እምነት ስለዘልና ተስፋ ንገብር ኢና ኢሎም።
ሃገሮም ግጭት ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ካብ ፈለማ ጀሚራ ከምዝተንቀሳቐሰት እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ተደራደርቲ ደቡብ ሱዳን ቀጥታዊ ዝርርቦም ክቕፅሉ ትፅቢት ይገብር።ዝርዝሩ የድምፁ።

Your browser doesn’t support HTML5

ቅልውላው ደቡብ ሱዳን