ዋሕዚ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምኳኑ ተሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ዋሕዚ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምኳኑ ተሓቢሩ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ግጭት ሓሙሻይ ዓመቱ ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ ዓመተ 2018 ዋሕዚ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዓበየን ጉዳይ ስደተኛታት ምኳኑ ተገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካላት ስደተኛታት ኣስታት 3 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ተዓቑቦም ይርከቡ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ቁጽሪ ዋሕዚ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ካብቲ እቲ ግጭት ዝጀመረሉ 2013 ዓ.ም ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝበዝሓ ምኳኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ንኩነታት እቶም ስደተኛታት መፍትሒ ንምንዳይ ንዝሰርሑን ነቶም ዑቕባ ዝህባ ዘለዋ ሃገራትን መሻርኽተንን በዳሂ ኩነታት ምፍጣሩ ይግለጽ።

ኣብ 2018 ንናይ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ዞባዊ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብተን እቶም ስደተኛታት ተዓቑቦምሉ ዘለው ሽዱሽተ ሃገራት 74 መሻርክቲ ናይ ሓባር መደብ ምድላወን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንኣርናልድ ኣኮንዲግኑ ዞባዊ ኣተሓባባሪ ጉዳይ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ወኪል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሪፖብሊክ ዲሞክራቲክ ኮንጎ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ሱዳንንን ኡጋንዳን ኮይኑ ክሰርሕ መዚዝዎ።