ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ደቡብ ሱዳን ናብ ተቓዋሚ ተፀንቢሮም

FILE - South Sudanese politician Ezekiel Gatkuoth (C)

ሓደ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን SPLM ኣንፃር ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ይዋግኡ ናብ ዘለው ሓይልታት ተቓዋሚ ምፅምባሮም ኣፍሊጦም።

ጠሊሞም ናብ ደንበ ተቓዋሚ ዝኣተው ኤዘኪየል ሎል ጋትኩዎት ሓደ ካብቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ 11 ፖለቲከኛታት እዮም።ንሶም ኣብ ዩናይትድ ስቴትስን ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም።

ሓዳሽ ደቡብ ሱዳን ንምህናፅ ምስ ናይ ቀደም ምኽትል ፕሬዝዳንትን ሎሚ መራሒ ተቓዋሚን ሪክ ማቻር ንምሕባር ወሲነ ኣለኹ ኢሎም።

ኵናት ጠጠው ኢሉ፤ደቡብ ሱዳን ካብ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ነፃ ኮይና፣ስርዓት ፌደራል ስርዓት ኣብምሓዝ ሓዊሱ ኣገደስቲ ዝኾኑ ምምዕርራያትት ተገይሩላ ክሪኢ እዩ ድልየተይ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’እዛ ዝብላ ዘለኹ ደቡብ ሱዳን ክትፍጠር ትኽእል ሓድሽ መሪሕነት ምስ ዝቀላቐል እዩ’’ኢሎም።

11 መሪሕነት SPLM ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብመፈንቅለ መንግስቲ ኸሲሶምዎም እዮም ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ።ዓለምለኸ ድፍኢት ምስ ሓየለ ነይሮም ዝተፈትሑ።ካብቶም 11 ሸውዓቲኦም ኣብ ወርሒ ለካቲት ተፈቲሖም።ምስ ክልቲኦም ሓይልታት ከይወገንና ከም ሳልሳይ ወገን ኣብ ዝርርብ ሰላም ንሳተፍ ንደሊ ኢና ኢሎም።

እቶም ኣርባዕተ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ተፈቲሖም።ጋትኩዎት ጥራሕ እዮም ናብ ደንበ ተቓዋሚ ኣቲዮም ዘለው።ዓሰርተ ሓዲኦም ኣብ ጉዳይ ግዕዝይና፣ወገናውነትን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሕቶ ዘቕረቡ ስለዝኾኑ ነፃ ኣይኮኑ ይብሉ።

ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሓይልታት ይካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ብዙሕ ምዕባለ ኣየርኣየን።ቶኽሲ ጠጠው ምባል ሓዊሱ ዛጊድ ሰለስተ ስምምዓት ዋላ እንተተፈረሙ እውን ብኽልቲኦም ወገናት ክጥሓስ ፀኒሑ።

ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ከጣይሹ 60 ማዕልታት ተዋሂቡዎም’ሎ።