መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንናይ ሰላም ዝርርብ ጻውዒት ኣቕሪቡ

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ኹናት ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ንሪክ ማቻር ዝድግፉ ተቓወምቲ ሓያለ ግጭታት ዝተራእዩላ ዓመት እያ ኔራ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣብ ተቓዋሚ ምንቕስቃስ ንነጻነት ህዝቢ ሱዳን ፒተር ኣድዎክ መጻኢ እታ ሃገር ኣብ ትግባረ እቲ ኣብ መንጎ ፕረዝደንት ሳልቫኬርን ሪያክ ማቻርን ኣብ ነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እዩ ይብሉ።

“ እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእ ንክመጽእ ዕድል ዝህብ’ዩ። ዘይምዕዳል ኮይኑ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዝዘረዝዎ ፕረዝደንት ሳልቫኬር እዮም እዚ ድማ ንኣቦመንበር ተቃዋሚ ምንቕስቃስ ክሳብ ኮንጎን ብምስዳድ ወታሃደራዊ ስርሒት ኣንጻር’ቲ ህዝቢ ብምኽያድ’ዩ።”

ኣብ ታሕሳስ 2013 ፕረዝደንት ሳልቫኬርን ንምኽትሎም ማቻር መንግስቲ ንምዕላው ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ካብ ስልጣን ብምብራሮም ኣብታ ሃገር ዕግርግር ምልዓሉ ድሒሩ ወታሃደራት ካብ ፕረዝደንት ሳልቫኬር ዓሌት ዲንካን ካብ ማቻር ዓሌት ኑዋር ንሓድሕዶም ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ብምኽያዶም ኣብታ ሃገር ኹናት ምልዓሉ ይዝኸር።

ነቲ ግጭት ደው ንምባል ኣብ አዲስ ኣበባ ስምምዕ ሰላም ምኽታሙን ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራትን ተኹሲ ደው ንምባል ምስምማዖም ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መራሒ ተቓወምቲ ማቻር ነታ ሃገር ገዲፎም ምስዳዶም ግጭት ምልዓሉን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብዝተኻየደ ኹናት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ምዝንባሎም ካልኦት በኣሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ምሟቶም ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዝደንት ሳልቫኬር ንኩሎም ወገናት ንዝርርብ ሰላም ምጽውዖም እንተኾነ ተቓወምቲ ሓይልታት እቲ ሃዋህው ምቹእ ከምዘይነበረ ይገልጹ።

እንተኾነ ምኽትል ሚኒስትሪ ሓበሬታ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣኮል ፓወል ኮርዲት ግን ምስ እዚ ኣይሰማምዑን።

መራሒ ተቓወምቲ ሪያክ ማቻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርኸቡ ኮይኖም መዓስን ኣብ ከመይ ኩነታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንናይ ሰላም ዝርርብ ጻውዒት ኣቕሪቡ