ነፍርቲ ውግእ ሱዳን ንናይ ነዳዲ ጎዳጉደይ ደብዲበን ክትብል ደቡብ ሱዳን ኸሲሳ

በቲ ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ክልተ ጎዳጉዲ ነዳድን ክልተ መኻይንን ከምዝዓነዋ ማሪያል ሓቢሮም

ሱዳን ንጎዳጉዲ ነዳዲኣ ምድብዳባ ደቡብ ሱዳን ኸሲሳታ።እታ ሓዳስ ሃገር ብምኽንያት ናይ ነዳዲ ኽፍሊት ዝተልዓለ ምስሕሓብ ምምራት ነዳዲ ደው ኣቢላቶ እያ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሱዳን ባርናባ ማሪያል ቤንጃሚን ሎማዕንቲ ሓሙስ ከምዝገለፅዎ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ሱዳን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ክልተ ጎዳጉዲ ነዳዲ ትማሊ ረቡዕ ሓያሎ ቦምብታት ከምዝደርበያ ኣፍሊጦም።

እዞም ዒላማ ዝገበርዎም ክልተ ጎዳጉዲ ነዳዲ ካብ ዶብ ሪፓብሊክ ሱዳን 74 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ከምዝርከቡን እዚ ድማ 74 ኪሎ ሜትር ናብ ውሽጢ ግዝኣትና ኣትዮም ኣለው ማለት እዩ ይብሉ።እዚ ኽኣ ይብሉ’’ ናይ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣየረን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝጥሕስ እዩ።’’

በቲ ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ክልተ ጎዳጉዲ ነዳድን ክልተ መኻይንን ከምዝዓነዋ ማሪያል ሓቢሮም።ሰራዊት ሱዳን ግን ኣይፈፀምኩን ይብል።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ፊሊፕ ኣጉወር ሓደ ናይ ማይ ጉድጛድ እውን ከምዝዓነወን ይሉሕክ ዘሎ ነዳዲ ዳማ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ዝስተ ማይ ከምዝበከሎን ሓቢሮም።

ሱዳን ናይ ደቡብ ሱዳን ፀጋታት ንምዕናው ትፍትን ኣላ ክብሉ ማሪያል ይኸሱ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳያት ነዳዲ፡ምኽፋል ዕዳ፡ዶባትን ዘሰሓሕቡ ግዝኣታትን ፍትሕ ንምርካብ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ 6 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝካየደ ዝርርብ ከምእትካፈል ማሪያል ኣረጋጊፆም ኣለው።