ደቡብ ሱዳን -- ዕልዋ ከየካይድ ዝተሰግአ ሬክ ማሻር ገዝኡ ብሰራዊት ይኸበብ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪርን ምኽትል ፕረዚደንት ሬክ ማሸርን

ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባ ንዝርከብ መንበሪ ገዛ ምኽትል ፕረዚደንት ሬክ ማሸር ከቢቦም ንሓያሎ ካብ መቕርቡን ብጾቱን ድማ ቀዪዶም። ቀረባ መሓዛ ማሻር ዝዀነ ምኽታል ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ጋብሪኤል ዱፕ ላም ብሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ግንባር እታ ሃገር ክእሰር እንከሎ፡ ሚኒስተር ነዳዲ ፖት ካንግ ቾል’ውን ሎሚ ረቡዕ ምስ ሓለውቱን ኣባላት ስድራቤቱን ተቐዪዱ'ሎ።

ንማእሰርቲ እዞም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኣመልኪቱ እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ሰዓት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። እንተዀነ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ፍሕፍሕ ሬክ ማሻርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ነታ ዝሓደስተ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ከም ዝሸማማ ይዝከር። እቲ ህይወት ኣስታት 400-ሽሕ ዜጋታት ዝወሰደ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብመጠኑ ዓሪፉ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ዘሎ ምትፍናን ናብ ካልእ ዓሪጉ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኲናት ከይመርሓ ወከልቲ ሃገራት ምዕራብ የጠንቅቑ ኣለዉ።