መርማሪ ጉጅለ ደቡብ ኮርያ ምጽራይ “ፈተነ ዕልዋ” ይቕጽል፡ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ነብሱ ከሕልፍ ፈቲኑ

Your browser doesn’t support HTML5

መርማሪ ጉጅለ ደቡብ ኮርያ ምጽራይ “ፈተነ ዕልዋ” ይቕጽል፡ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ነብሱ ከሕልፍ ፈቲኑ

ናብ 4 ታሕሳስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምሕደራ ዝኣወጀ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዩወል፡ ምናልባት ናብ “ዕልዋ” ዝጽዋዕ በደል ፈጺሙ እንተዀይኑ መርማሪ ኮሚሽን የጻሪ ኣሎ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር’ውን ኣብ ማእሰርቲ ነብሱ ንምሕላፍ ከምዝፈተነ ጸብጻባት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ኣሶሸይትድ ፕረስን ይሕብር።

ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮል ብምኻድ ነቲ ሓጺር ዝዕድመኡ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ኣመልኪቶም መርመራ ንኸካይሩ ዝፈተኑ ኣባላት ፖሊስ ብሓለዋ እቲ ፕረዚደት ከም ዝተዓግቱ ገሊጾም።

መርማሪ ኮሚሽን ፕረዚደንት ዩንን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ኪምን ምስ ዕልዋ ዝዳረግ በደል ፈጺሞም እንተዀኑ’ዩ ዘጻሪ ዘሎ። ብሕጊ ደቡብ ኮርያ ዕልዋ ንዝፈጸመ ኣካል ክሳብ ናይ ሞት ብይን ዝኸይድ ፍርዲ’ዩ ዝጽበዮ።

ምስቲ ጉዳይን ድሒሩ ንዝመጽእ ምዕባለታትን ተተሓሒዙ ማእሰርቲ ይቕጽል ኣሎ። ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሃገራዊ ኮሚሽነር ፖሊስን ኣዛዚ ፖሊስ ርእሰ-ከተማ ሲዮልን ተቐዪዶም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንትእዛዝ ወታሃደራዊ ሕጊ ከም ዘማኸረ ዝንገርን ኣብቲ ንሰዓታት ዝጸንሐ ምሕደራ ሰራዊት ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ንኸምርሑ ዝኣዘዘን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ኪም ዮንግ ህዩን ኣብ ማእሰርቲ ነብሱ ንምሕላፍ ከም ዝፈተነ ሰብ-መዚ ቤት ማሕቡስ እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረን ቀዲሙ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ምስቲ ቅልውላው ተተሓሒዙ ዝተኣስረ ናይ ፈለማ በዓል-መዚ ምዃኑ’ዩ።

ኣብቲ ንሰዓታት ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ኣዋጅ፡ ሰራዊት ንቤት ጽሕፈት ባይቶ ብምዕጻው ሓገግቲ ኣካል ናብቲ ቦታ ተኣኪቦምን ድምጾም ሂቦም ነቲ ኣዋጅ ንኸየፍርሱዎ’ዩ ቀንዲ ዕላማኦም ነይሩ። እንተዀነ፡ ነቲ ዝተነበረ ክልከላ ሰጊሮምን ሰሊኾምን ዝተኣከቡ ኣባላት ሓገግቲ ኣካል ቀልጢፎም ድምጾም ብምሃብ ነቲ ኣዋጅ ውዱቕ ገይሮሞ’ዮም። እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ደጋጊሙ ሓላፍነት ናይቲ ተግባር ንሱ ከም ዝስከም ብምግላጽ ትማሊ ሰሉስ’ውን ወሲኹ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዩን ብቐዳም ነቲ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ንህዝቢ ደቡብ ኮርያ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ። ንመምርሒኡ ሓላፍነት ከም ዝወስደሉን ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ከም ዘይምልጥን ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ መጻኢ ፖለቲካዊ ምሕደራ እታ ሃገርን ንርእሱ’ውን ኣብቲ ስልጣን ብዛዕባ ምጽናሑን ዘይምጽናሑን ንውሳነ ኣባላት ሰልፉ ዝግደፍ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ’ቲ ብዙሕ ምዕባለታት ብዙሕ ኣይተገልጸን ጸኒሑ። ሎሚ ረቡዕ ግን ኣብ ወግዓዊ መራኸቢታት እታ ሃገር ንፕረዚደንት ዩን “ከዳዕ” ኢሉ ዝጸውዐ፡ ነቲ ምዕባለታት ዝገልጽ ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ። ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ኣብ ደቡብ ኮርያ እንታይ ከም ዝተፈጸመ ንዜጋታት ሰሜን ኮርያ ዝሕብር’ዩ። ሰሜን ኮርያውያን ናይ ደገ ማዕከናት ዜና መስኮት ስለ ዘይብሎም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጎረቤቶም ዘሎ ምዕባለታት ተኸዊሉዎም ክህሉ ይኽእል’ዩ። መንግስቲ እታ ሃገር’ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ኣንፈት ከየላዕል ብምስጋእ፡ ዓቢ ሸፈነ ከም ዘይህቦ ተንተንቲ ይገልጹ።

ድሕሪ ፈተነ ነብሰ-ቅትለት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ከም ዘሎ ዝተሓበረ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ኪም፡ ነቲ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ምኽኑይ ንምግባር ብዙሓት ዓበይቲ ትእዛዛት ከም ዘሕለፈ’ዩ ድሒሩ ይገልጽ። ካብ መንጎኦም፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ኣብ ዶባት ሰሜን ኮርያ ንዝርከቡ ሓይልታት እታ ሃገር ናዕቢ ክፈጥሩ ከምኡ’ውን ሓድሽ ምትፍናን ንምፍጣር ናብ ጎረቤት ሃገር ሰሜን ኮርያ ደብዳብ ድሮን ክግበርን ኣዚዙ ይብሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ምስ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዘለዋ ዝምድና ከም “ሓጺን ዝተረረ’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ። ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ልዕሊ 28-ሽሕ ወታሃደራት ከምዘለዋ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይገልጽ።