ግዜያዊ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ክሲ መስርሕ ምውራድ ንዝመጽእ ሰሙን ይሰጋገረሉ

ግዝያዊ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ 17 ታሕሳስ 2024

ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኮርያ ነቲ ንግዝያዊ ፕረዚደንት ሃን ዱክ ሶ ንምኽሳስ ተወጢኑ ዝነበረ መደብ ናብ ዝመጽእ ሰሙን ምትሕልላፉ ገሊጹ። እቲ ሰልፊ ነቲ ውሳነ ዘሕለፈ ግዜያዊ ፕረዚደንት ሃን ዱክ ነቲ ብዛዕባ ክሲ ምውራድ ዝቐደመ ፕረዚደንት ንዝቐረበ እመመ ናብ ሕጊ ንሕላፉ ምፍራም ስለ ዝኣበየ'ዩ።

እንተዀነ ንሎሚ ሰሉስ ተመዲቡ ዝነበረ መስርሕ ክሲ ደኣ ይሰርጋገር እምበር፡ ግዜዊ ፕረዚደንት ነቲ ረቂቕ ክሳብ ጽባሕ እንተ ዘይፈሪሙዎ እቲ መስርሕ ክሲ ክቕጽል ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ-- ነቲ ጉዳይ ጸቒጦም ዝሰርሑሉ ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፊ።

መራሒ’ቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ዮን ሱክ ዮል ድሕሪ’ቲ ንሰዓታት ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ሕጊ እታ ሃገር፡ ብተቓዋሚ ሰልፊ ብዝቐረቦ ክስታት ካብ 14 ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ፡ ካብታ ሃገር’ውን ንኸይወጽእ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ’ዩ። እቲ ንቐዳማይ ፕረዚደንት ዝኸሰሰ ሰልፊ ነቲ መተካእታኡ ዝተመዘዘ ዩን ዱክ’ዩ ክኸስስ ዝቀራረብ ዘሎ።