ኢትዮጵያ፡ ስድራ ዝተኣሰሩ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኩኩት ነበር ክፍትሑ ይሓቱ

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንሶ ወረዳ ኩኩት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኣሰሩ ኣመሓዳሪ’ታ ወረዳ ኣቶ ኡርማሌ ኡጋንዴ ንክፍትሑ ቤተሰቦም ይሓቱ ኣለው።

ሓዎም ኣቶ ማቴዎስ ኡጋንዴ፡ ኣቶ ኡርማሌ ዝተኣሰሩ ብዛዕባ ዝተቀትሉ ሰባትን ዝዓነወ ንብረትን ኣመልኪቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓበሬታ ስለዝሃቡ እዩ ይብሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ኮንሶ ኮማንደር ሰሎሞን ካባይታ ብወገኖም፣ ኣቶ ኡርማሌ ዝተኣሰሩ ብገበን ስለዝተጠርጠሩ’ምበር መግለጺ ስለዝሃቡ ኣይነበረን ከምዝበሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሃዋሳ ሓቢሩ።