ሃዋሳ —
ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣገባብ ዋጋ ወሲኽኩም ምህርቲ'ውን ሓቢእኩም ዝተባህሉ 297 ነጋዶ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ። ነቲ ስጉምቲ ዘፍለጠ ቤት ጽሕፈት ንግድን ልምዓትን`ቲ ክልል ልዕሊ 3,300ን ትካላት ንግዲውን ከም ዝተዓሸጋ ኣፍሊጡ`ሎ።
ይኹን`ምበር ካብቶም ተዓሺገን ዝተባህላ ትካላት ንግዲ ከይተረፈ፡ ንብረት ናይ ምሕባእን ናይ ምህዳምን ተግባራት ይፍጸም ከም ዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ሸማቶ ይሕብሩ፡ ንሳቶም ወሲኾም እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ፍታሕ ከምጽእ`ዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ነጋዶ ብወገኖም፡ ምስ ለውጢ ፖሊሲ ሸርፊ ወጻኢ ብዝተሓሓዝ ማእሰርትን ምዕሻግን ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ተቓዊሞም ኣለዉ። ሓላፊ ንግዲን ልምዓትን`ቲ ክልል ኣቶ ገሌቦ ገልቶሞ ብወገኑ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ኣብ ወሰኽ ዋጋ ምክትታል ክግበር ድሕሪ ምጽንሑ`ዩ ኢሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ዝምህር ኣፈወርቂ ብርሃኑ ግን ንነጋዶ ምእሳር ንናጻ ቂጠባዊ ስርዓት ዝጻረርን ውጽኢቱ ድማ ግዚያዊ`ምበር ዘላቒ ከም ዘይኮነ ይገልጽ።