ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ብዛዕባ ሓዲሽ ዝተመስረት ካቢነ ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ይህቡ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲርያል ራማፎዛ ንመራሒ ተቓወምቲ ደሞክራቲክ ኣላያንስ ጆን ስቲንሁሰን ኣብ እዋን ምርጫ ኣባላት ካቢነ ሰላም እንዳበለ ዝተወስደ 14 ሰነ 2024

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ሓዲሽ ዝተመስረተ ካቢነ መንግስቲ ሃገራዊ ጥምረት ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ይህቡ`ለዉ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ምርጫ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ዘይክኣለ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ- ኤ-ኤን-ሲ ናይ ጥምረት መንግስቲ ድሕሪ ምቛሙ`ዩ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ሎሚ ዝተገልጸ መዝነት ካቢነ፡ መራሒ ተቓወምቲ ደሞክራቲ ኣላያንስ ዝኾነ ጆን ስቲንሁሰን ሚንስተር ሕርሻ ኮይኑ ተመዚዙ`ሎ።

ብዛዕባ ኣቃውማ`ቲ ሓዲሽ ካቢነ፡ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊኦም ብኣወንታ ክርእይዎ ከለዉ ገሊኦም ድማ ዕቃበ ኣርእዮም ኣለዉ።

ድሕሪ ምውዳቕ ኣፓርታይድ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ፓርቲ ኤ-ኤን- ሲ፡ ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ንመጀምርያ ግዜ `ዩ ኣብ ባይቶ ዓብላልነቱ ክስእን ክኢሉ።