መጋባእያ ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ተጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

▶መጋባእያ ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ተጀሚሩ

ካብ’ቲ እስራኤልን ሓማስን ዝዋግእሉ ዞባ ርሒቓ ትርከብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዘቅረበቶ ክሲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከምዘላ ገሊጻ። እቲ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነቲ ውግእ ንክተቋርጾ ንክእዝዝ’ውን ሓቲታ’ላ።

እስራኤል ብወገና ነቲ ክሲ ትነጽግ።

እቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ቅድሚ ዳያኑ ዝሞገተ ጠበቃ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ቤት ፍርዲ፣ መባእታዊ ትእዛዝ ከውጽእን እስራኤል፣ ነቲ ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኵናት ንክተቋርጾን ሓቲቱ ኣሎ።

እታ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብምውካል ኣብ ዘ ሄግ ፒስ ፓለስ ዝደኮነ ቤት ፍርዲ ነጥበ ሞገት ዘቅረበት ኣዲላ ሓሲም "ጄኖሳይድ (ጅምላዊ ህልቂት) ብኣዋጅ ኣይኮነን ዝፍጸም እንተኾነ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ከምኡ ዝዓይነቱ ነገር ከምዝፍጸም ሓበርቲ ኣካይዳን ምስኡ ዝተኣሳሰረ መርተዖታትን ተዓዚብና ኢና" ትብል ።

እዚ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ትእዛዝ እንተዘይኮይኑ፣ ነቲ ቃንዛ ደው ዘብሎ ሓይሊ የለን፣ መባእታዊ ትእዛዝ ክሳብ ዘይሓለፈ ግፍዒታት ክቅጽሉ እዮም ትብል።

እስራኤል ብወገና፣ ንሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ መጋባእያታትን ዘይርትዓዊያንን ሻራዊያንን እዮም ኢላ ዋላ’ውን ትኣምን እንተኾነት ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ትፍጽሞ ንዘላ ወፍሪ ዝሕለቅ ትርር ዝበለ ጉጅለ ጠበቃታት ናብ ዘ ሄግ ኣዋፊራ ኣላ።