ደርቂ ንደቡብ አፍሪቃ የጥቕዕ

ንደቡብ አፍሪቃ አጋጢምዋ ዘሎ ደርቂ አብ ውሽጢ 23 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ'ዩ ክብሉ ክኢላታት ክሊማ ዓለም ይገልጹ'ለው።

እዚ ኸአ ብሰንኪ'ቲ ዓለማዊ ኩነታት ክሊማ ዋዒ ውቅያኖሳት ዝፈጠሮ ኤል ኒኖ ምዃኑ ገሊጾም'ለው።

ክኢላታት ክሊማ ኤል-ኒኖ አብ ክፍልታት ምብራቕን ደቡባዊን አፍሪቃ አብዚ ዓመት'ዚ ደርቅን ውሕጅን ከምዘስዕብ ገሊጾም'ለው።

ደቡብ አፍሪቃ ድሮ አብ ክልተ እዋን ዝናብ ካብቲ ልሙድ ዝተሓተ መጠን ረኺባ'ላ። እዚ ዓመት'ዚ'ውን ዝሓሸ ኣይክኸውንን'ዩ ክብሉ ተመራመርቲ ካብ ቤት-ምኽሪ ሳይንሳዊን ኢንዱስትራዊን ምርምር ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ደርቂ ንደቡብ አፍሪቃ የጥቕዕ