መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ውግእ ፀረ ኣል-ሸባብ ተዓዊተ ይብል

AMISOM

ተንተንቲ ግና እቲ ኩነታት ተለዋዋጣይ ምኻኑ ይገልፁ

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ'ቲ ንሓደ ወርሒ ዝዘለቐ ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ሶማልያ ካብ ኣል-ሸባብ ንምምንዛዕ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ተዓዊተ ይብል'ሎ።እንተኾነ እቲ ኹናት ኣብ ዝቀፀለሉን ቁፅሪ ሞት ሰባት ኣብ ዝወሰኸሉ ዘሎን ሳዕቤን ናይ'ዚ ዳሕረዋይ ጎንፂ እንታይ ከምዝኸውን ብሩህ ኣይኮነን።