ዋሽንግተን —
ሓማስ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ እስራኤል ትወስዶ ዘላ ብደብዳብ ነፈርትን ወተሃደራዊ ስርሒትን ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዓብዪ ደገፍ እንተሃለዎ እኳ ኣብ ገለ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣመሪካውያን ግን ምልክታት ተቃውሞ ይቀላቐሉ ኣለዉ።
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፈፀሞ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሰምበዶም ይገልፁ እቶም ንእስራኤል ንምድጋፍን ነቶም ግዳያት ንምዝካርን ሰልፊ ዝወፁ ኣይሁድ አሜሪካውያን። ያሪ ሌቭ መቦቆሉ ኢየሩሳሌም እዩ። ኣብ ፊላደልፊያ ሰልፊ ካብ ዝወፁ ኣይሁዳውያን ሓደ እዩ።