ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ ተኻይዱ

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ውዒሉ። ዞባዊ ውጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ኣድመጽቲ ፕረዚደንቶም ክመርጹ ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ሶማሊላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ዝሰዓረ ይስዓር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ጽቡቕ ምሕዝነት ክህሉ ይምነዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን መራሒ ተቓወምቲ ዓብድራሕማን ኢሮን ብንግህኡ ድምጾም ሂቦም ኣለዉ። ክልቲኦም ድማ ህዝቢ ብሰለማዊ ኣገባብ ድምጹ ክህብ ጸዊዖም። ጉለድ ጃማ ፍሉጥ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታንን ከኸውን ከሎ ኣብ ሃርጌሳ ድምጹ ምስ ሃበ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኡ ሂቡ ኔሩ። ንሱ እቲ ምሃብ ድምጺ ኣብ ኩሉ ዞባታት ከም ዝተጀመረ፡ ሰባት ካብ ንግህኡ ጀሚሮም ብሰላም ድምጾም ይህቡ ምንባሮም ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ መራጺ ዘገድሶ፡ ቁጠባ፡ ኣፍልጦ ፖሊሲ ወጻኢ ከምኡ`ውን ሰላምን ጸጥታን ምዃኑ ይጠቅስ፡ “ቁጠባ ሶማሊላንድ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ።ሶማሊላንድ ድኻ ሃገር`ያ። ኣብ ዓለም ካብ ዝደኸየ ቦታ`ዩ። ተፍርዮ ወይ ትሰርሖ ነገራት የብላን። ኩሉ ኣብ ሶማሊላንድ ዘገልግል ነገራት ካብ ደገ እዩ ዝመጽእ። ሶማሊላንድ እንስሳ ጥራይ እያ ንደገ ትሰድድ፡ ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ደቂ ዓዲ ድማ ገንዘብ ይለኣኻ። ስለዚ ቁጠባኣ ድኻ`ዩ። ንሶማሊላንድ ብፍላይ ንመንእሰያት ዘገድሶም ድማ እዚ`ዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ስእነት ሸቕሊ ብዙሓት መንእሰያት ካብታ ሃገር ይወጹ`ዮም ዘለዉ።”

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሶማሊላንድ ይነብሩ- ገሊኦም ሰራሕተኛታት`ዮም -ካልኦት ድማ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምቕጻል ብፍላይ ናብ የመንን ናብ ስዑዲ ዓረብን መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ እዮም።ኣናስ ዮሱፍ ሓደ ካብኦም ክኸውን ከሎ፡ ሰባት ንመራሕቶም ንምምራጽ መሰላቶም ክጥቀሙ ምርኣይ ከም ዘሕጉሶ ይገልጽ።

“ ሰባት ይመርጹ ኣለዉ። ብቐጥታ ዝግበር ዘሎ ምውሃብ ድምጺ`ዩ። ንዝደለይዎ ይመርጹ ኣለዉ። ንሕና ግን ኣይንመርጽ ኣይንምረጽ ኢና። ግን ንዕዘብ ኣለና። ብጽቡቕ ክኸደሎም ድማ ተስፋ ንገብር።”

ብዛዕባ`ቲ ኣብ መንጎ ሃገሩ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ መዘክር፡ርእይትኡ ክህብ ከሎ ድማ ዝሰዓረ ይስዓር እቲ ምሕዝነት ክቕጽል ድልየቱ ምዃኑ ይገልጽ።

ከም ቀምቃማይ ኮይኑ ዝሰርሕ ሙሳ ኣሕመድ ድማ ካልእ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ከሎ፡ "ኣብ ሶማሊላንድ ን14 ዓመታት ተቐሚጠ፡ ሕማቕ ኣይረኣኹን፡ደሞክራሲያዊት ሃገር`ያ፡ መጻኢ ኣለዋ። እዚ ምርጫ ድማ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ" ኢሉ። ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ምሕዝነተን ክቕጽላ ድማ ተስፍኡ ይዛረብ፡-"ክልቲኦም መንግስታት ብሓባር እንተሰሪሖም ጽቡቕ ነገር`ዩ፡ ምዕባለ እዮም ዘምጽኡ። ንዕኡ እየ ተስፋ ዝገብር።"

ሶማሊላንድ ኣብቲ ተኣፋፊ ዞባ ኮይና ሰላም ዝዓሰላ ከባቢ ምዃና ዝገልጽ ካልእ ኢትዮጵያዊ ሙኽታር ድማ፡ ኣብ ሶማሊላንድ ብለይትን መዓልትን ተንቀሳቒስካ ዝሓተካ የለን ሰላም`ዩ ናጽነት ኣሎ ይብል። ብዛዕባ`ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ መዝክር ስምምዕ ክዛረብ ከሎ ድማ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲ እንተተዓዊቱ ነቲ ስምምዕ ከተግብሮ `ዩ፡ ተቓወምቲ ድማ ምስ ዕቃበታቶም ይቕበልዎ እዮም ይብል።

ክልቲኦም ሕጹያት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ሓደ ዝኾነ ስምምዕ ክግበር ይድግፉ`ዮም ዝብል ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታንን ሶማሊላንድ ጉለድ ጃማ ብወገኑ፡ እቶም ተቓወምቲ ግን እቲ ሰነድ ስምምዕ ንህዝቢ ክፉት ስለዘይኮነ መጀመርያ ክንርእዮ ኣለና እዮም ዝብሉ ይብል።

“ ንህዝቢ ክፉት ዝኾነ ሰነድ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ተቓወምቲ ዝብሉ ህዝቢ ክሕበር ኣለዎ፡ ብቅሉዕ ክስራሓሉ ኣለዎ ዝብል`ዩ። ዝቕበልዎ`ኳ እንተኾኑ ዕቃበታት ኣለዎም። ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ስለዘይረኣናዮ ዕቃበታት ኣለና እዮም ዝብሉ።እቲ ገዛኢ ሰልፊ እንተተዓዊቱ ግን ነቲ ስምምዕ መዘክር ናብ ቀያዲ ስምምዕ ክቕይሮ`ዩ”

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ መዘክር ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ኣፍደገ-ባሕሪ ክትረክብ፡ ከም ኣምሳይኡ ድማ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል ኮይኑ፡ ነታ ርእሰ-ምምሓዳር ከም ኣካላ ትፈልጣ ሶማልያ ግን ንልኡላውነተይ ዝጥሕስ`ዩ ብዝብል ኮኒናቶ`ያ።