ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ፅምኢ ማይ ዝፃወሩ ኣግማል ከይተረፉ ይሃልቁ ኣለው

ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕሱም ድርቂ ንምድረበዳን ድርቅን ናይ ምፅዋር ተኽእሎ ዘለዎም ኣሽሓት ኣግማል ከይተረፉ ይሃልቁ ከምዘለው ተፈሊጡ።ኣግማል ንመጎዓዚያ፣ንጸባን ስጋን ዝጥቀሙ ሰብ ጥሪት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ፅምኢ ማይ ዝፃወሩ ኣግማል ከይተረፉ ይሃልቁ ኣለው

ኣብ ሶማሊላንድ ዞባ ቶግድሂር ሓላዊ ኣግማል ዝኾነ ዳውድ ባሩድ ጃማ ስድርኡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብስንኪ ደርቂ ልዕሊ 100 ኣግማል ከምዝሞቱዎም ይዛረብ።

ሰበስልጣን ምብራቓዊ ዞባ ሶማሊላንድ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ካብ እንሰሳታቶም ከምዝሃልቁ ይገልፁ።

ኣብቶም ዝቕፅሉ ሒደት ኣዋርሕ እኹል ሓገዝ እንተድኣ ዘይረኺቦም ንሳቶም እውን ከምዝሃልቁ እቶም ሰብ ጥሪት ስግኣቶም ይገልፁ።