መራሕቲ ሶማሊያ ግልፂ ምርጫ ከካዩዱ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ ምትሕስሳባ መንግስቲ ሶማሌ ፀኒሑ ፕሬዝዳንታውን ፓርላማነታውን ምርጫ ከምዘካይድ ቃል ኣትዩ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ U/Sዩ ኣንቶኒ ብሊንከን እቶም መራሕቲ ''ፀቢብ ፖለትካዊ ዕላማታት'' ናብ ጎኒ ገዲፎም ንህዝቢ ሶማሊያ ዘለዎም ሓላፍነት ክወፃኡ ኣለዎም ኢሎም ዝሓለፈር ዓርቢ።
መራሕቲ ሶማሌ ምስሕሓቦም ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ከተኩሩ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ ምፅውዓ ምንስቴር ሓበሬታ ሶማሌ ዖስማን ዱቤ ምርጫ ከምዝካየድ ኣረጋጊፆም ኣለው።
ዱበ ከምዝበሉዎ ፌደራል መንግስቲ ሶማሊያ ብኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ሶማሊያ 17 መስከረም 2020ኣ\ፈ ብመሰረት ዝፀደቐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ምርጫ ከካይድ እዩ እዮም ኢሎም።
ፋርማጆ ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን እዋኖም ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ ምስ መራሕቲ ፌደራልን ክፍለ ግዝኣታትን ናይ ክልተ ማዕልታት ዋዕላ ኣካይዶም።
ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መድሕን ዝተብሃለ ተቓዋሚ ፓርቲ እቶም ፕሬዝዳምት ከምዚ ዝበለ ዋዕላ ናይ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን የብሎምን ይብል።ኩሎም ፖለቲካዊ ሰብ ትሕጃ ዝውከልሉ ጉባኤ ፀዊዑ ኣሎ እቲ ውድብ።
ቀንዲ ኣባል ናይቲ ተቓዋሚ ውድብን መራሒ ዓርሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ዝኾኑ ሳዒድ ዓብዱላሂ ደኒ ሶማሊያዊያን ዜጋታት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክሓብሩ ፀዊዖም።
እታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ እያ ዘላ ዝበሉ ንሶም ህዝቢ ሶማሊያ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተረኸቡ ምዕባለታት ንምድሓን ክሓብር ኣለዎ ኢሎም።
መራሕቲ ሶማሌ ምርጫ ንምክያድ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክጥቀሙ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰንበት ዘውፅኦ መግለፂ ይምሕፀን።ኣብ ሶማሌ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዘውፅኦ መግለፂ ንረብሓ እታ ሃገርን ህዝባን ክረዳድኡ ፀዊዑ ኣሎ።