መንግስቲ ኖርወይ ንኣስታት 100 ሶማልያዊን ዝተዋህቦም ዜግነትን መንበሪ ፍቓድ ከምዘሕደጎም ተገሊጹ

ኣብ ኖርወይ ቅድሚ ብርክት ዝበለ ዓመታት ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ህውከት ክነብሩ ከምዘይከሉ ብምግላጽ ዑቕባ ሓቲቶም ተቀባልነት ረኺቦም መንበሪ ፍቓድን ዜግነት ተዋሂብዎም ዝነብሩ ኣስታት 100 ዝኾኑ ሶማልያዊያን እተዋህቦም ዜግነት ኖርወይ ከምዝተመንዝዑ ተገሊጹ።

ሓደ ሓዲኦምውን ፍቓድ መንበሪኦም ከየሕድሱ ተኸልኺሎም፡ ካብ ሃገር ክወጹ ዝገልጽ ደብዳበ ዝበጽሖም ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ።

ነዙ ኹሉ ምኽንያቱ ኣብ ናይ ውልቂ ዓምዲ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ፌስቡክ ብዘውጽእዎ ሓበሬታ ካብቲ ዑቕባ ኽሓቱ ኸለው ዘቕረብዎ ታሪኾም ዝተፈልየ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ኖርወይ ሓደ ሓዲኦም ሶማልያዊያን ዘይኾኑስ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ሶማል ምኻኖም ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ኖርወይ ንኣስታት 100 ሶማልያዊን ዝተዋህቦም ዜግነትን መንበሪ ፍቓድ ከምዘሕደጎም ተገሊጹ