ዕጡቓት ን11 ወታደራት ሱማሊያን ኣሚሶምን ቐቲሎምን ን18 ኣቑሲሎምን

Djibouti soldiers serving in the African Union Mission in Somalia (AMISOM) patrol the south central town of Beledweyne in Somalia, May 9, 2013.

ዕጡቓት ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ናብ ሎሚ ዘውግሐ ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ን11 ወታደራት መንግስትን ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ብምቕታል እንትወሓደ ንካልኦት 18 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ወታደራት ሱማሊያን ኣሚሶምን ኣብ ዝተቖፃፀርዋ ከተማ ቡሉቦርዴ ዝበፅሐ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ እዩ ኢሎም ኣለው ሰበስልጣን ሱማሊያ።
ወሃቢ ቃል ኣሚሶም ኮሎኔል ዓሊ ሓሙድ ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓደ ሰብ ልይቲ መኪና እናዘወረ ወታደራዊ ሰበስልጣን ኣሚሶም ናብ ዝጥቀምሉ ሆቴል ኣብ ዘእቲ መፈተሺ ቦታ ምስተፀግዑ ምስ በሉ ‘’ወታደራት ኣሚሶም ጠጠው ክብሉዎ ፈቲኖም፣ግን ኣይክኣሉን።ወታደራትና ምስተኣከቡ እቲ ቦምብ ተፈንጂሩ’’ኢሎም።

ኣብቲ ሆቴል ዝነበሩ ኣማሓዳሪ ዞባ ሒራን ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቶም ዝሞቱ ሽዱሽተ ሱማሊያዊያንን ሓሙሽት ኣባላት ኣሚሶምን ዝኾኑ ጅቡታዊያንን እዮም ኢሎም።
ናይ ቀደም ዋና ኣማሓዳሪ ሒራን የሱፍ ኣሕመድ እቶም ወታደራት መጥቓዕቲ ካብ ዝፈፀሙ ንሸውዓቲኦም ከምዝሓዙዎም ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ሆቴል ወታደራዊ ሰበስልጣን ሷምሊያን ኣሚሶምን ከምዝጥቀምሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ሓይልታት ሱማሊያን ወታደራት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ዝሓለፈ ሓሙስ ነይሮም ንቡሎቦርደ ዝተቖፃፀርዋ።እታ ከተማ ካብ ከተማ ሞቓድሾ ብኣንፈት ሰሜን 200 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ትርከብ።