ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ንሰራዊት ሶማል ዝኸውን ክሳብ ሓሙሽተ ዝበጽሕ ወተሃደራዊ መደበራት ከም ትሃንጽ ኣፍሊጣ። ዕላምኡ ድማ ኣንጻር`ቲ ዝቕጽል ዘሎ ስግኣታት ጽንፋውያን ጉጅለታት ንዓቕሚታት ሰራዊት ምክልኻል ሶማል ንምሕያል ምዃኑ ተጠቒሱ`ሎ።
ብመሰረት ሓበረታ ኣሶሼይትድ ፕረስ ንትግባረ`ቲ ፕሮጀክት ድማ ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካን ሚንስተር ምክልኻል ሶማልን ትማሊ ኣብ ሞቓዲሾ ሓደ መዘክር ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ህላዊኡ እናጉደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት`ውን ነቲ ምጉዳል ሰራዊት ዘጽደቖ ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ሶማል ከኣ ኣብ ምርግጋጽ ጸጥታ ሶማል ጽቡቕ ግስጋሰ የርኢ ከም ዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ።
እንተኾነ ኣልሸባብ ሓሓሊፉ መጥቃዕትታት ምፍጻሙ ቀጺሉ`ሎ።
ኣብዚ ዳሕራዋይ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ`ኳ ኣርባዕተ ወተሃደራት ኢማራት ዓረብን ሓደ ወዲ ባሕሬን ወተሃደራዊ መኮነንን ተቐቲሎም`ዮም።