ዑደት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ ሙን አብ ሞቃድሾ

UN Secretary General, Ban Ki-moon (L) stands next to Somali Prime Minister Abdiweli Mohamed Ali (C Left) after his arrival at Mogadishu's Adan Abulle airport, December 9, 2011.

ሎሚ 9 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ኣብ ሞቃድሾ ታሪኻዊ መገሻ ዝፈፀሙ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ ሙን መራሕቲ ሶማል ተፈጢሩ ንዘሎ ዕድል ተጠቂሞም ምርግጋእ ንኽፈጥሩ ፀዊዖም።

ሶማል ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ውሱን ዕድላት ከም ዘለዋ'ውን አጠንቂቆም።

ባን ኪ ሙን ኣብቲ ኣዋን መገሸኦም ብመሰረት ዝሃብዎ ርኢቶ ኣብ ናይሮቢ ተኸፊቱ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ናብ ሞቃድሾ ክአቱ'ዩ ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ