ፕረ.ሶማል ኢትዮጵያ ንስምምዕ መዘክር ሶማሊላንድ እንተተግቢራቶ ሃገሮም ርእሳ ከምትከላኸል ኣፍሊጦም

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሌላንድ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምምስራትን ነታ ካብ ሶማል ዝፈለየት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዘሎ ተኽእሎን ዝተገብረ ውዕል እንተደፊኣትሉ ሃገሮም “ርእሳ ክትከላኸል’ያ” ክብሉ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሽኽ ማሕሙድ ኣፍሊጦም። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።