ሶማል: ኣብ መኪና ዝተጻወደ ተፈንጃሪ 276 ሰባት ቀቲሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ቀዳም 14 ጥቅምቲ,2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ-ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 276 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 300 ድማ ቆሲሎም። እቲ መጥቓዕቲ ብብዝሒ ሰባት ዝንቀሳቐስሉ ጎደና ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ብዙሓት ካብቶም ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ግዳያት ናብ ቱርኪ ምጉዓዞም ተገሊጹ’ሎ፡ ብተወሳኺ ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ቱርኪ ሚንስትር ጥዕና እታ ሃገር ምስ 33 ሰብሞያ ነቲ ግዳያት ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ ንምትሕብባር ናብ ሶማል ምኻዶም ገሊጾም ኣለው።