ኣብዚ ሰሙን ኬንያ ንኣል-ሸባብ ንምግጣም ናብ ዶብ ሱማሊያ ወታደራታ ንምልኣኽ ዝወሰድቶ ስጉምቲ ዓብይ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ለውጢ ዘርአየት ኣምሲሉዋ’ሎ።እቲ ናይ ኬንያ ዓብይ ወታደራዊ ስርሒት ንፁር ኣይኮነን።እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝህሊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክልውጦ ይኽእል እዩ።
ኬንያ ምስታ ስርዓት ኣልቦ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ሱማሊያ ንዓመታት ብምክእኣል ክትነብር ፀኒሓ እያ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ዅናት ሱማሊያ ንኣማእቲ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ናብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ንኽሃድሙ ኣገዲዱዎም።ከምሳዕቤን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ሓባር ዶብ ኣብ ፀጋታትን ከባቢያዊ ሓለዋን ሕፅረት ኣኸቲሉ፡ንትዕግስቲ ኬንያ’ውን ተፈታቲኑ እዩ።
ኬንያ ዝበዝሕ ግዜ ካብቲ ግጭት ንዓርሳ ኣርሒቓ ፀኒሓ እያ።ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ንኽምስረት ግን ዓብዪ ጊደ ነይሩዋ።ኣብ ፈለማ 2005 ኣ/ፈ እውን ትካላት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ኣብ ሃገራ ንኽሰርሑ ሓጊዛ እያ።
ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ሱማሊያዊያን ኣኽረርቲ ፈፂሞምዎ ዝተብሃለ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ሰባት ምጭዋይ ወጥሪ ንኽንህር ገይሩ’ሎ።ኣዝዩ ኣገዳሲ ንዝኾነ ንናይ ኬንያ ናይ ቱሪዝም ኢንዱስቱሪ እውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ’ሎ።
ኣብ ኬንያ ኣብዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ዝተፈፀመ ናይ ኽልተ ዶክተራት መጭወይቲ ሰራዊት ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስጉምቲ ንኽወስድ ኣገዲዱዎ እዩ።
ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ዝነበሩ ኢጋራ ካባጂ በቲ ውሳነ ኣተደነቑን።ንሶም ‘’ሸፋቱ ናብ ግዝኣትኻ ኣትዮም ቁጠባኻ ከዕንውዎ እንተለው ምእንታ ፅቡቕ ጉርብትና ክትብል ኮፍ ኢልካ ኣይክትሪኢን ኢኻ።ከምኡ ኣይሰርሕን እዩ።’’ይብሉ።
እዚ ናይ ሕዚ ወታደራዊ ስርሒት ግን ንፁር ኣይኮነን።ምኽንያቱ ካብ ናይሮብን ሞቓድሾን ይርአዩ ብዘለው ዝተሓዋወሱ ምልክታት።
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ንናይ ውሽጥን ዓለምለኻውን መራኸቢ ብዙሃን ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሰራዊት ኬንያ ናብ ሱማሊያ ምእታው ኣሚኖም ኣለው።ካልኦት ሰበስልጣን ሱማሊያ ግን ወታደራት ኬንያ ዶብ ሰጊሮም ከምዘይኣተው ይዛረቡ ኣለው።
ኣብቲ ምጭዋይ እቶም ዶክተራት ኢዱ ከምዘየእተወ ዝገለፀ ኣል-ሸባብ ናይ ኬንያ ወታደራዊ ምንውስቓስ ከም ናይ ብሓቂ ስግኣት ሪኡዎ ኣሎ።ሒነ ክወስድ እየ’ውን ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ተንታኒ ሱማሊያ ዓብዲ ሳማድ ከምቲ ኣብ ኡጋንዳ ብኣልሸባብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ኬንያ’ውን ክንሪኢ ንኽእል ኢና ይብሉ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሱምሊያ ዝተኻየዱ ወታደራዊ ምትእትታዋት ንፃዕሪ ኬንያ ዘተባብዑ ኣይኮኑን።
ኣብ 2009 ኣ/ፈ ኣል-ሸባብ ነታ ሃገር ንኽልተ ዓመትን ፍርቅን ንዝወረሩ ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ ሱማሊያ ንኽወፁ ገይሩ እዩ።
ኣብ 1992 ኣ/ፈ እውን ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ፈለማ ብልኡኽ ሰብኣውነት ናብ ሱማሊያ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።ሱማሊይዊያን ሚሊሽያታት ኣብ ሞቓድሾ ኣብዝተኻየደ ውግእ ን18 ወታደራት ኣሜሪካ ንዝቐተለ ንናይ ዩንያትድ ስቴትስ ሄልኮፕተራት ቶኪሶም ኣውዲቖም እዮም።
መንግስቲ ኬንያ ከምዝበሎ ዕላምኡ ኣል-ሸባብ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ኬንያ ወይ’ውን ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ ወታደራዊ ስርሒት ንኸየካይድ እዩ ይብል።እቲ ወታደራዊት ስርሒት ኬንያ ክሳብ መዓዝ ከምዝፅንሕ ግን ንፁር ኣይኮነን።