ምምሕዳር ጁባላንድን ፈደራልዊ መንግስቲ ሶማልያን ውግእ ጀሚሮም

ኣብ መንጎ ዞባዊ ምምሕዳር ጁባላንድን ፈደራል መንግስቲ ሶማልያን ንሰሙናት ክኸይድ ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ መወዳእታኡ ናብ ውግእ ኣምሪሑ ኣሎ። ንምጅማር'ቲ ውግእ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካስሱ ኣለው። እቲ ግጭት ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምምሕዳር ጁባንላንድ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተበገሰ’ዩ።

ሎሚ ረቡዕ ራስካምቦኒ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ጁባላንድ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ናይቲ ምምሕዳር ወታሃደራትን ውግእ ጀሚሩ ኣሎ። ብዛዕባ ዝሰዓበ ክሳራ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣደን ኣሕመድ ሓጂ ምኽትል ሚንስተር ጸጥታ ምምሕዳር ጁባላንድ’ዩ። “ሎሚ ንግሆ ካብ ፈደራል መንግስቲ ናብ ራስካምቦኒ ዝመጽኡ ወታሃደራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጁባላንድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እቲ ግጭት ብደብዳብ ድሮን’ዩ ፈሊሙ። ቀጺሉ ድማ ናብ ኢድ ብኢድ ውግእ ቀጺሉ። ዛጊት ሓደ መስርዕ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ኢዱ ሂቡ ኣሎ” ኢሉ።

ጁባላንድ ዝርዝር ናይቶም ዝተማረኹ ወታሃደራት መንግስቲን ኣስማት ድሮን ዝሸጣ ሃገራትን ከስዕብ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ዝርዝር ዝሃበ ምኽትል ሚኒስተር ጸጥታ ጁባላንድ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ሓድሕድ ዝተሰምዖ ቅሬታ’ውን ኣካፊሉ ነይሩ። ንሱ ከም ዝገልጾ፡ ክልተ ኣሕዋት ናብ ሓድሕዶም ብረት ከቕንዑ ዘሕዝን ተርእዮ’ዩ ይብል። እንተዀነ ኣብቲ ጉዳይ ተሓታቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ምዃኑ’ዩ ይገልጽ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ወታሃደራት ምምሕዳር ጁባላንድ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ከሲሱ። ከም ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ፡ ወታሃደራት ፈደራል መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ናጻ ዝተገድፈ ቦታ ሽፋን ንምሃብ’ዮም ዝንቀሳቐሱ ነይሮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ ንመጥቃዕቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምክትታል ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ይጠቅስ።

ድምጺ ኣመሪካ ብኽልቲኡ ወገናት ንዝቐረበ ክሲ ብሳልሳይ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኣብቲ ሎሚ ውግእ ዝጀመረሉ ራስካምቦኒ ዝተባህለ ስፍራ ኣዋፊሩ’ዩ። ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ካብ ኬንያ ዝተላእኩ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምልቃቖም ቦታኦም ንምሽፋን ምዃኑ መንግስቲ ይምጉት።

እንተዀነ ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ምምሕዳር ጁባላንድ ናብቲ ቦታ ዝኣቱ መስመር ቴለፎን በቲኹ፡ ሰራዊት’ውን ኣጸጊዑ'ሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ግን እቲ ምትፍናን ቀስ ብቐስ ክዓርግ’ዩ ጸኒሑ። መቓዲሾ ብ27 ሕዳር መራሒ ጁባላንድ ኣሕመድ መሓመድ ኢስላም (ኣሕመድ ማዶበ) “ብኽድዓት ሃገር” ብምውንጃል ክእሰር ኣዚዛ። ንጽባሒቱ ድማ እቲ ምምሕዳር ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ብወግዒ በቲኹ።

ኣቐዲሙ ናብቲ ምትፍናን ዝመርሐ ምምሕዳር ጁባላንድ ዘካየዶ መንግስቲ መቓዲሾ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ምርጫ’ዩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ምምሕዳር ጁባላንድን ፈደራልዊ መንግስቲ ሶማሊያን ውግእ ጀሚሮም